ሩስያ፣ 43 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተጋብኡሉ ዋዕላ ተኻይዱ

Radio Erena:22 March 2023

ኣብ ሩስያ፣ ወከልቲ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ካብ 19 ክሳብ 20 መጋቢት ተኻይዱ።

ኣብቲ ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ ባይቶ’ ዝተሰምየ፣ ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝተኻያደ ኣኼባ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተረኽበ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፣ ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ዝህልዋ ምትሕግጋዝ ብዝልዓለ ኣተኵራትሉ ምህላዋ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን፣ ሩስያ ልክዕ ከም ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ግዳማውያን ከስገድድዎ ንዝፍትኑ ስነ-ሓሳብ ሓድሽ ሜላ መግዛእቲ ንምግታእን ክብርታታ ንምዕቃብን ትከላኸል ምህላዋ ኣረዲኡ።

ካብ ዩክሬይን ኣእካል ዝሽምታ ዝነበራ ሃገራት ኣፍርሪቃ፣ ዋሕዲ እንተጋጢሙወን፣ ሩስያ ክትልግሰለን ድልውቲ ምዃኑ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ሩስያ፣ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ኣህጉራዊ ዋዕላ ባይቶ ተእንግድ ዘላ፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ምስ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ብገበን ኵናት ኣብ ዝተኸሰሰሉ እዋን’ዩ።

ኣብዚ ኣርባዕተ ዋርሕ ቅድሚ፣ ካልኣይ ስሩዕ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ዝተኻየደ ኣኼባ፣ 43 መራሕቲ ሃገራት ክርከቡ እንከለዉ፣ ዝተረፋ ሃገራት ብሚኒስተራትን ልኡኻተንን’የን ተሳቲፈን።

ሩስያ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ካልኣይ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ንምክያድ ትሸባሸብ ምህላዋ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0