ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኩርሙክ ግጭት ከምዝተወልዐ ተሓቢሩ

Radio Erena: Wednesday, 28 June 2023

ኣብ ሱዳን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኩርሙክ’ውን ሓድሽ ጎነጽ ከምዝተጎሃሃረ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንሓርነት ሰሜን ሱዳንን፣ ብ25 ከምኡ ድማ 26 ሰነ ዝተወልዐ ግጭት፣ ንነበርቲ ሓያሎ ቁሸታት እቲ ከባቢ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ኣሎ።

እቲ ኵናት ከምዝተጎሃሃረ ዘረጋገጸ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግጭት ቤት ንብረቶም ብምርሕራሕ ዝሃደሙ ነበርቲ ብውሕዱ ሰለስተ ቁሽታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

ብዓብደልዓዚዝ ኣል ሒሉ ዝምራሕ ኣካል እቲ ናይ ሰሜን ሱዳን ምንቅስቓስ፣ ኣብ ስምምዕ ሰላም ጁባ 2020 ካብ ዘይከተሙ ጸለውቲ ሓይልታት ሓደ እዩ።

በቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ረጽሚ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ሱዳን ብ15 ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ዝተወልዐ ግጭት ወትሃደራውያን ሓይልታት እታ ሃገር፣ ናብ ካልእ ከባቢታት እናለሓመ፣ ኣብ ዳርፉር ሕጂ ድማ ኣብ ኩርሙክ ጎነጽ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ኩርሙክ ምስ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ናይ ኢትዮዕያ ዝዋሰን ሓደ ካብ ተኣፈፍቲ ከባቢታት ሱዳን’ዩ።

ኣብ ሱዳን ብዝተወሎአ ግጭት ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ እንከለዉ፣ ልዕሊ2 ሚልዮን ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

በቲ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ድማ ልዕሊ 2800 ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0