ገማግም ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ 32 ዓመታት ካብ ስራሕ ደው ንዝበላ ጀላቡ ኵናት ትጽግን ምህላዋ ኣፍሊጣ

Radio Erena: Tuesday 27 June 2023

ገማግም ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ምስ ናጽነት ኤርትራ፣ ቅድሚ 32 ዓመታት ካብ ስራሕ ደው ዝበላ ናይ ኵናት ጀላቡ ከምዝጸገነት ኣፍሊጣ።

እተን ናይ ኵናት ጀላቡን ፈጣናትን፣ ዳግም ብዘመናዊ መልክዕ ተጸጊነን ናብ ኣገልግሎት ከምዝተመልሳ’ዩ መንግስታዊ ዜና ኢትዮጵያ፣ ብ27 ሰነ፣ ሓቢሩ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ፊልድ ማርዻል ብርሃኑ ጁላ፣ ነተን ብዘመናዊ መልክዕ ተሓዲሰን ዝተባህለ ናይ ኵናት ጀላቡን ብዝተፈላለየ ሞያ ንዝሰልጠኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ንዝተመረቕሉ ኣጋጣሚን በጺሑ።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ሓይሊ ባሕራ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ፣ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ 2018 ካብ ዝቐውም ንደሓር ዳግም ንምብርባሩ’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ 30 ዓመታት ዳም ንምትንስኡን ሓይሊ ኣየር ድማ ብዘመናዊ አልክዕ ንምሕዳሱን፣ መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ፈረንሳ ስምምዕ ከቲሙ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት ድሕሪ ምሽማሙ፣ ፈረንሳ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ወትሃደራዊ ስምምዓት ደው ኣቢላ።

ኣብ ኵናት ምስ ትግራይ ዝተጸምደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግምምም ንምቛም ዝነበሮ መደባት ከምዘደስከሎ ክጥቀስ ጸኒሑ።

ገማግም ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ዳግም የበራብሮ ኣለኹ ንእትብሎ ሓይሊ ባሕራ፣ ኣብ ቀላያት’ያ ትድኩኖን ተሰልጥኖን ዘላ።

ስእሊ፣- EBC

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0