ሶማልን ኣመሪካን፣ ኣብ መንጎአን ብዛዕባ ዘሎ ወትደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: Wednesday, 28 June 2023

ሶማልን ኣመሪካን፣ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ዘትየን።

ኣብ ኣመሪካ ዑደት ከካይድ ዝቐየነ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብ21 ሰነ፣ ምስ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድ ኦስቲን፣ ኣብ ፔንታጎን ብምርኻብ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ምምሕዳር ዋሽንግነት ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ሶማል ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት ልዕሊ 70 ቦታታት ካብ ኣልሸባብ ከምዝመንዝዐ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ጠቕሊሉ ንምእላይ ደገፍ ኣመሪካን ካልኦት መሸርኽን ክቕጽል ተላብዩ።

ብኣመሪካ ካብ ዝተኣትዉ ዝተረፉ እኳ እንተለዉ፣ ዛጊት ብዝተገብረሎም ሓገዝ ዕጉባት ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ሓሰን ኣስሚርሉ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድ ኦስቲን ብወገኑ፣ ሃገሩ ንሶማል ምሕጋዝ ከምእትቕጽሎ ብምርግጋጽ ኣብ ወትሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ክሌማዊ ለውጢ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝመጽእ ብድሆታት’ውን ከምዘተኩር ኣብሪሁ።

ኣብ 2025፣ ህዝቢ ብቀጥታ ዝሳተፉ ምርጫ ፕረዚደንት ከተካይድ ትጽቢት ዝግበረላ ሶማል፣ ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት፣ ጠቕሊላ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ፕረዚደንት ሓሰን መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ።

ሶማል፣ ዝመጽእ ዓመት ክወጽእ ትጽቢት ንዝግበረሉ ልዕሊ 24 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ ዝበቕዕ ብዝሒ ወትሃደራት ተሰልጠን ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣመሪካ፣ ንመንግስቲ ሶማል ንምሕጋዝ ኣዋፊራቶም ዘላ ኣስታት 700 ወትሃደራት፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብዝሖም ከተዛይዶ ከምእትኽእል ይግመት።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፔንታጎን ዝተኻየደ ዘተ ፕረዚደንት ሶማልን ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካን’ው ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0