ሱዳን፣ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ጉሉሕ ኣበርክቶ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽ ይግለላ ከምዘለዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 August 2019

ኣብ ሱዳን ፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ንምእላይ ይኹን ድሒሩ ኣንጻር ስልጣን ንዝበሓተ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ተቓውሞታት ኣብ ምስታፍ መሪሕ ተራ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ይግለላ ምህላወን ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፍታት፣ ካብ 60 ክሳብ 80 ሚእታዊት ብዝሒ ከምዝነበረን ዝተገልጻ፣ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፣ ኣብዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምቛም መስርሕ ተጎስየን ምህላወን’ውን እቶም ወገናት የረድኡ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምእዋጅ ሸሪዓ ኣብ ዘመነ ስርዓት በሺር፣ መሰል ደቂንስትዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክገሃስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብፍላይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ መርዓ ብግዴታ ወይ ምዝራፍ ዝኣመሰሉ፣ ምስ መሰል ደቂንስትዮን ጾታዊ ዓመጽን ዝተተሓሓዙ በደላት ብብዝሒ ክፍጸሙ ምጽንሖም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0