ቻይና፣ 18 ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከገልግሉ’ዮም

Radio Erena: 07 August 2019

መንግስቲ ቻይና፣ 18 ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ኤርትራ ከዋፍር ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር -ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ማእከላይ ገምጋም 39 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ብቻይና ኣብ ዝተጀመረ ማእከላት ሕክምና’ዮም ክዋፈሩ።

መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኣስመራ ዝተደኮነ፣ ኦሮቶ መወከሲ ሆስፒታል ዝርከቦ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና፣ ብዘመናዊ መልክዕ ከምዘስፍሐን፣ ሓደስቲ ማእከልት ከምዝሃነጸን ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0