ፈረንሳ፣ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ እትነጥፍ መርከብ ተዋፊራ

Radio Erena: 06 August 2019

ካብ ሊብያን ንዝብገሱ ንስብገሱ ስደተኛታት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጥም ሓደጋታት ምጥሓል ኣብ ምድሓን እትዋፈር መርከብ፣ ብ4 ነሓሰ ካብ ወደባዊት ከተማ ማርሰይት ተበጊሳ።

እታ ብትካል ግብረሰናይ SOS Mediterranee እትውነን፣ “ኦሻን ቫይኪንግ” ዝተሰምየት መርከብ፣ ነታ ካብ ዝሓለፈ ዕእመት ኣትሒዛ፣ ናብ ኢጣልያ ከይትጽጋዕ ተኣጊዳ ዝጸንሐት መርከብ ኣኳርየስ ብምትካእ፣ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ክትነጥፍ’ያ።

መርከብ ኣኳርየስ፣ ድሕሪ’ቲ 360 ኤርትራውያን ዘህለቀ ሓደ ባሕሪ ላምፔዱሳ 2013፣ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከየጋጥም፣ ህይወት ንምድሓን፣ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ተዋፊራ።

እንተኾነ፣ ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ክትዓት ዘለዓዕል ጉዳይ ኮይኑ ብምጽንሑ፣ ኣብ መወዳእታ 2018 ስርሓ ደው ኣቢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 150 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓሎም፣ እዚ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ትካል ግብረ ሰናይ SOS Mediterranee፣ በዛ ሓዳስ መርከብ፣ ናይ ህይወት ኣድሕን ንጥፈታቱ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ሊብያ፣ ብሕማቕ ኣተሓሕዛኡ ዝንቀፍ ሰለስተ መዳጎኒ መዓስከራ፣- ታጁራ፣ ሚስራታን ኾምስን፣ ክዕጾ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ብዝቐልጠፈ ናህሩ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ዓወት ረድኢ 5 years ago

    ደሃይ ናይታ 94 ሰባት ሒዛ ተፊኣ ዘላ መርከብ እንታይ ሓበሬታ ይሁሉው ይኸውን፡
    ብስድራ 94 እትፍለጥ ኣብ መወዳእታ 2018 ብዓብድሰላም ዚተበገሰት እያ። ናይ ኩሎም ግዳያት ወይ ህሉዋት ዚተፈልጠ የሎን። ናይ ኩሎም ስድራቤት ዝረኸብዎ ሓበሬታ የሎን።
    ስለዚ ብስም ኩሎም ግዳያት ኤርትራዊያን ሓበሬታ ዘሎዎ ሰብ ክሕብረኒ ብትሕትና ይሓትት።