ሱዳን፣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ሓንቲ ቁሸት 28 ሰባት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Tuesday, 09 April 2024

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ብቀዳም 06ሚያዝያ፣ ኣብ ሓንቲ ቁሸት፣ 28 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ንኮሚቴ ሓካይም ብምጥቃስ ኣራብ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት 150 ኪሎሜተር ንደቡብ ካብ ከተማ ካርቱም ርሑቓ ኣብ እትርከብ፣ ኡም ዕዳም ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ከምዝተኻየደ ዝሓበረ መግለጺ ኮሚቴ ሓካይም፣ ነቲ ጃምላዊ ቅትለትኢሉ ዝጠቕሰ ሞት ሰለማውያን ሰባት ፈጣን ሓይልታት ከምዝፈጸምዎ ወቒሱ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ፈጣን ሓይልታት ንዝጸንሐ ከባቢታት ካርቱም ደጊሙ ኣብ ዝቖጻጸረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ግጭታት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉዩ ዝሕበር።

ሱዳን፣ ኣብ 15 ሚያዝያ 2023 ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ካብ ዝውላዕ ንደሓር፣ ዛጊት ኣብ ኣስታት 8.5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰላምውያን ሰባት ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ልዕሊ 15ሽሕ ከምዝበጽሕ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ርእሲዚ ኣብታ ሃገር፣ ምስቲ ኵናት ተተሓሒዙ ከም ስእነት መግብታት መድሃኒትን ዝኣመሰለ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩ ከምዘሎውን ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0