ኢትዮጵያ፣ 1.7 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ካብ ባንክ ዓለም ተፈቒዱላ

RADIO ERENA – Tuesday, 09 April 2024

ኢትዮጵያ፣ 1.7 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ካብ ባንክ ዓለም ከምዝተፈቕደላ ሚኒስተሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ልቕሕ፣ ኣብ ቀረብ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲ፣ ማይን መግብታት ኣብ ምብጽጻሕ ዘቀላጥፉ ምህናጽ ጽርግያታት ኣብ ገጠራትን ዘጠቓለለ ምዃኑዩ ተገሊጹ።

እቲ ብትሑት ወለደ ን10ታት ዓመተት ዝጸንሕ ልቓሕ፣ ንገለ ክፋል ዓበይቲ ፕሮጀክታት እታ ሃገር ክምውል ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ገጢምዎ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ግና ዘቓልል ከምዘይኮነዩ ተመልኪቱ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንዘንቆልቁል ዘሎ ቁጠባ፣ ዝቕባበ ባጤራን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፍታትን መሕወዪ ዝኾኖ ፊናንስያዊ ሓገዝ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዛጊት እወታዊ ምላሽ ከምዘይሃብዎ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0