ሑቲ፣ ኣብ 72 ሰዓታት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓያሎ መራኽብ ከምዘጥቅዓ ገሊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 09 April 2024

ሑቲ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 72 ሰዓታት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ዝነበራ ሓያሎ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

ኣፈኛ ሑቲ፣ ያሕያ ሳሪዕ፣ ብቴሌቪዥን ኣብ የመን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝወንጨፍዎ ሚሳይላት፣ ናይ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን እስራኤልን ንዝኾና ናይ ንግዲን ኵናትን መራኽብ ዒላማ ከምዝገበሩ ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ጸጥታን ድሕነትን መራኽብ ዘተኩር፣ ኣምብረይ ዝተባህለ ትካል ብሪጣንያ፣ ብ08 ሚያዝያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ሓንቲ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ መልእኽቲ ከምዝበጽሖ ኣመልኪቱዩ።

እቲ ትካል፣ መራኽብ ካብቲ ደብዳብ ዝካየደሉ ዘሎ ክሊ ማይ ርሒቐን ክመላለሳውን መኺሩ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ብዛዕባቲ ብሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕታት ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃባሉን።

ሑቲ ክልተ መራኽብ ከምዘጥቅዐ ዝገለጻ እስራኤልውን ብተመሳሳሊ መግለጺ ኣይሃበትን።

ኣመሪካን ብሪጣንያ፣ ነቲ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ጸቕጢ ፈጢሩ ሒቱ ጽዑቕ ደብዳባት የካይዳሉ እኳ እንተለዋ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕታት ካብ ምክያድ ግና ክገትኦኦ ኣይከኣላን።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0