ቻይና፣ ኣብ ህጻናት ብብዝሒ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዝተራእየ ተገሊጹ

Radio Erena: Friday, 24 November 2023

ሰበስልጣን ቻይና ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ብ13 ሕዳር 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ቻይና ተርእዮ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዝወሰኸ ሓቢሮም።

እዚ ወሰኽ ምስ ምልዓል እገዳታት ኮቪድ-19ን ብሰንኪ ምልባዕ ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ከም ኢንፍሉዌንዛን ከም ዝተኸስተ ገሊጾም።

ነዚ ኣመልኪቱ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ኩነታት ንምፍላጥ፣ ነታ ሃገር ብወግዒ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሰብ ሞያ ትካላት ጥዕና ቻይና ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንምክትታል ዝተወሃሃደ ሓገዛት ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ።

ብ21 ሕዳር፡ ማዕከናት ዜና ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ ዝርከቡ ህጻናት ዘይተረጋገጸ ሕማም ሳንቡእ ከምዝተራእየ ገሊጾም ኔሮም።

እዚኦም ምስቲ ኣቐዲሙ ብሰበስልጣን ቻይና ዝተገልጸ ሓፈሻዊ ወሰኽ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰሩ ድዮም ወይስ ዝተፈልዩ፣ ንጹር ኣይኮነን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቻይና፣ ሰባት ንሓደጋ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምትታት ክኽተሉ ይመክር።

እዚ ድማ ርሕቀት ምሕላው፣ ኣብ እዋን ሕማም ውሸባ፣ ከም ኣድላይነቱ መርመራን ሕክምናዊ ክንክንን ምግባር፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ከምኡ’ውን ስሩዕ ምሕጻብ ኢድ ዝብሉ ይርከብዎም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0