ሱዳን፣ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ካብ ናይል ማይ ምምላእ ከይትጅምር ዝሓትት ደብዳቤ ናብ ባይቶ ጸጥታ ልኢኻ

Radio Erena: 09 June 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ካብ ናይል ማይ ምምላእ ከይትጅምር ዝምሕጸን ደብዳቤ፣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ሕርሻን ሃብቲ ማይን ሱዳን፣ ያስር ዓባስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሱዳን ናብ ባይቶ ጸጥታ ደብዳቤ ምልኣኻ፣ እቲ ጉዳይ ስለዝተጎሃሃረ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ንሱ ሱዳን፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክትልእኮ ምውሳና፣ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ስለዝሓዘት ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣስማ መሓመድ ተፈሪሙ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጺን፣ ኣብ ምምላእ ማይ ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ ክበጽሓ ዘለዎ እምነት ኣንቢሩ።

ይኹን’ምበር እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ፣ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ስጉምቲ ወሲዳ፣ ማይ ምምላእ ክትጅምር ንዘቕረበቶ እማመ ሱዳን ከምእትቓወሙ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ 2011 ኣትሒዛ ኣብ ከባቢ ናይል ኣብ ምህናጹ እትርከብ ዲጋ ሚለንዮም፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ማይ ከተዕቑረሉ ክትጅምር ምዃና’ያ ትገልጽ ዘላ።

ግብጺ ኣቐዲማ ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ከምእትደሊ ኣነጺራ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0