ፈረንሳ፣ ንሓላፊ ኣልቓዒዳ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ቀቲላቶ

Radio Erena: 08 June 2020

ሰራዊት ፈረንሳ፣ ንሓላፊ ኣልቓዒዳ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ዓብደልማሊክ ድሩክደል፣ ኣብ ማሊ ከምዝቐተሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፣ ፍሎረንስ ፓርልይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ መራሒ ኣልቓዒዳ፣ ብ3 ሰነ ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ምስ ሓያሎ መሳርሕቲ ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጻ።

ኣልጀርያ ዝመበቖሉ፣ ወዲ 50 ዓመት ዓብደልማሊክ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየደ ጀሃድ ተሳቲፉ’ዩ።

ኣብ 2004 ናብ ኣልጀርያ ተመሊሱ፣ ኣዛዚ ኣልቓዒዳ ሰሜን ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብቲ ዞባ መጥቃዕታት ክውድብ ጸኒሑ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ቅናት ሳሕለ ሰሓራን፣ ንዘስፋሕፍሕ ዘሎ መርበባት ሽበራ ንምቑጽጻር፣ ብ “ባርካን” ዝፍለጥ፣ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስርሒታት ዘካይድ ኣስታት 5 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ኣላ።

እቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ ማእከል መአዘዚኡ ኣብ ቻድ ዝገበረ ሰራዊት ፈረንሳ፣ ምስ ሓይልታት ማሊ፣ ኒጀር፣ ቻድ፣ ሰኔጋልን ካልኦት ሃገራት ሳሕለ ሰሓራ ብምትሕብባር ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ሰራዉት፣ መንግስታት ሃገራት ሳሕለ ሰሓራ፣ ካብ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ክወርዶም ንዝኽእል ስግኣት፣ ዋሕስ ኮይኖም ምህላዎ፣ ናይ ማሊ ናይ 2012/2013 ፍጻሜ ከም ናይ ቀንዲ ኣብነት ብምጥቃስ ዝድግፉዎ ኣለዉ።

እንተኾነ፣ ፈረንሳ ሰራዊታ ናብ ኣፍሪቃ ምውፋራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት እዛ ኣህጉር ዝጸንሓ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ወትሃደራውያን ዕብለላ ምዃኑ ካልኦት ወገናት ይነቕፉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0