የመን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ብኢማራትን ኤርትራን ዝድገፉ ሚሊሻን ግጭት ምክያዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 June 2020

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣብያን፣ ንእትርከብ ከተማ ጃዓር ንምቑጽጻር፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ የመንን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኤርትራን ዝድገፉ ሚሊሻን ግጭት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ዜና የመን ገሊጸን።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት መንግስቲ ነታ ኣብ ትሕቲ፣ መሰጋገሪ ባይቶ ደቡብ ዝፍለጡ፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሚሊሻ እትርከብ ከተማ ንምምንዛዕ ዝዓለመ’ዩ።

ሰራዊት መንግስቲ ነታ ከተማ ንሓያሎ ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ካብ ወገን መንግስቲ እኳ እንተተገልጸ፣ መሰጋገሪ ባይቶ ደቡብ ግና ነጺግዎ።

ካብ 2015 ኣትሒዛ፣ ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕቲ ንምክያድ ምስ ስዑዲን ካልኦት መሻርኽትን ናብ የመን ዝወፈረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ወትሃደራውን ፖለትካውን ዓወታት ክሰልጣ ብዘይምኽኣሉ፣ ንየመን ናብ ደቡብን ሰሜንን ንምግማዕ ዝዓለም ስልቲ ትኽተል ከምዘላ’ያ ትውቀስ።

ኢማራት፣ ኣብ ኤርትራን የመንን ከምዘሰልጠነቶም ዝግለጹ ሚሊሻ፣ ኣብ ከተማ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ከተዋፋር ጸኒሓ’ያ።

እቶም ብመሰጋገሪ ባይቶ የመን ዝፍለጡ ሚሊሻ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም፣ ካብ የመን ብምንጻል ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጆም ይርከቡ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0