ሱዳን፣ ትካላት ናይቲ ንናጽነት ፍልስጤማ ዝቓለ ሓማስ ኣደስኪላ

Radio Erena: 24 September 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ንናጽነት ፍልስጤም ከምዝቓለ ብዝገልጽ ምንቅስቓስ ሓማስ ንዝውነን ዝተፈላለየ ትካላት ከምዘደስከለ ተገሊጹ።

ሮይተርስ ኣብታ ሃገር ንዘለው ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ካብቲ ኣብ ሱዳን ደስኪሉ ዘሎ ትካላት ሓማስ፣ ሆቴላት፣ ኩባንያ ሸርፍን ሓዋላን፣ መደበር ቴሌቪዥንን ናይ ሕርሻ መሬትን ይርከቦ።

ሱዳን፣ ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ካብ ኣውራ ደጀናት ሓማስ ምንባራ ይግለጽ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ጠመትኡ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣንቢሩ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ እስራኤል ዝምድንኡ ንምምሕያሽ ኣብ መስርሕ ከምዝርከብን እዚ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ኣካል ናቱ ምዃኑን ዲፕሎማሰኛታት ይግለጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0