ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክትግበር እንተዘይክኢሉ፣ ኣመሪካ ተወሳኺ እገዳ ከተንብር ምዃና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 23 September 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተዋፈሩ ኣካላት፣ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ከተግብሩን ሰብኣዊ ረዲኤት ድማ ብዘይመሰናኽል ክኣቱ እንተዘይፈቒዶምን፣ ኣመሪካ ተወሳኺ እገዳ ከተንብር ምዃና ኣጠንቂቓ።

ኣመሪካ፣ 10 ወርሒ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝሓጸረን ብዘይቅድመ ኩነትን ደው ክብል ከምእትደሊ ተሓጋጋዚ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብርያን ሃንቲ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ዝሳተፉ ዘለዉ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣካላት፣ እገዳ ክትግበር ዘኽእል ትእዛዝ ናብ ኩለን ክፍልታት ድሕሪ ምትሕልላፉ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህወሓት ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢራ ዘላ ኣመሪካ፣ ተወሳኺ እተንብሮ እገዳ ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር እቲ እገዳ ኣብ ቁጠባ፣ ፊናንስ፣ ወትሃደራውያን ምንቅስቓስ ሰበ ስልጣን ዝድርትን ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ምምሕዳር ባይደን ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ሰራዊት መሪሑ ተዋፊሩ ንዝበሎ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ፣ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፣ ናይ ቁጠባ እገዳ ምንባሩ ይዝከር።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0