ሶማል፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋን ምርኢት ፊልም ኣብ ሲነማ ተኻይዱ

Radio Erena: 24 September 2021

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋን፣ ምርኢት ፊልም ኣብ ሲነማ ተኻይዱ።

እቲ ብረቡዕ 22 መስከረም፣ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ ዝዓነወ ‘ሃገራዊ ትያትር’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ታሪኻዊ ሲነማ ዝተኻየደ ምርኢት፣ እታ ሃገር ናብ ንቡር ክትምለስ ከምእትኽእል ተስፋ ዝህብ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ንአገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጾም።

ሲነማ ሃገራዊ ቲያትር፣ ኣብ 1967 ብሓገዝ ኮሚኒስታዊት ቻይና ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ኣብ 1991 ስርዓት ስያድ ባራ ምስ ወደቐ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ ድሕሪ ምዕናዉ፣ ዝኾነ ምርኢት ከየእንገደ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ኣዳራሽ፣ ቀንዲ መናሃርያ ጎይቶት ኵናት እታ ሃገር ብምዃኑ፣ ዒላማ መጥቃዕታት ‘ዩ ኔሩ።

ድሕሪ 30 ዓመታት ተኸፊቱ፣ ፍርያት ሶማል ዝኾና ክልተ ሓጸርቲ ፊልምታት ንምርኢት ኣብ ዘቕረበሉ፣ ኣልሸባብ ይኹን ካልኦት ጉጅለታት መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ፣ ጽኑዕ ሓለዋን ቁጽጽር’ዩ ተኻይድሉ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0