ሱዳን፣ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝተወጠነ ዕለት ፈሺሉ

Radio Erena: 13 April 2023

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ 11 ሚያዝያ ክቐውም ዝነበሮ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሺሉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኩሎም ወገናት፣ ኣብ 11 ሚያዝያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክርቛሕን፣ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝቖመ ድማ ክእወጅን’ዩ ተወሲኑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ናብዚ መደርኽ እዚ ንምሕላፍ ወሳኒ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ ክኽተም ዝነበሮ ናይ መወዳእታ ስምምዕ፣ ክትግበር ብዘይምኽኣሉ፣ ምቛም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክዕወት ከምዘይክኣለ መርበባት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ።

እቲ መስርሕ ዛጊት ዘይተዓውተሉ ሓደ ምኽንያት፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚ፣ ቅድሚ ምቛም እቲ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክጥርነፍ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣብ ስምምዕ ክበጻሕ ብዘይምኻሉ ‘ዩ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ምዱብ ሰራዊትን፣ ሓውሲ ሚሊሻ ዝኾነ ተወርዋሪ እዚን ብሓባር ተጠርፊኖም፣ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ክቐውም ከምዝተረዳድኡ ብኽልቲኦም ወገናት ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ናብ ግብሪ ግና ኣይተሰጋገረን።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ንክልቲኦም ሓይልታት ብምጥማር ዝቐውም ሃገራዊ ሰራዊት፣ በቲ ኣብ 11 ሚያዝያ ዝቐውም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክእዘ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ንምቛም፣ ኣብ መንጎ ወትሃደራውያን ጉጅለታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ዝሓቖፈ ፖለቲካውያን ሓይልታትን፣ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘተ ኣብ 19 መጋቢት ናብ ስምምዕ ምስ በጽሑ፣ ንምቛም እቲ መሰጋግሪ መንግስቲ እተሳልጥ ኮሚተ፣ ኣብ 27 መጋቢት ምምስራቶም ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ ኩሉ ዝተሓልፈ ናይ ዘተን ስምምዓትን መስርሕ፣ ነቲ ኣብ 11 ሚያዝያ ክቐውም ዝነበሮ ሲቪላዊ መሰጋግውሪ መንግስቲ ክውን ክገብር ዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ብዙሓት ሱዳናውያን ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት ከይተተግበረ ፈሺሉ ዘሎ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ዝልዓለ ትጽቢት እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ዝቐውም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ሓፈሻዊ ምርጫ ብምውዳብ፣ ስልጣኑ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተመርጸ መንግስቲ ከሰጋገር’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0