‘ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማታት ደብረብርሃንን ኣጣዩን ከቢድ ብረት ዝተሓወሶ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ተኻይዱ’

Radio Erena: 13 April 2023

ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻታትን ዳግም ንምውዳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ካብ ሰንበት 09 ሚያዝያ ኣትሒዙ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣድማን ተቓውሞታትን ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ።

ምስቲ ተቓውሞታት ተታሓሒዙ፣ መንግስቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ኢንተርነት ከምዝቛረጽ ስለዝገበረ ሓበሬታ ብእዋኑ ንምርካብ ኣጸጊሙ እኳ እንተሎ፣ እቲ ወጥሪ እናበኣሰን ኣብ ገሊኡ’ውን ናብ ቶኽሲ የምርሕ ምህላዉን መርበባት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ።

ዛጊት ኣብ ከተማታት ቆቦ፣ ጎንደርን ደብረብርሃንን፣ ናብ ቶኽሲ ዘምርሐ ኣድማን ተቓውሞን ክካየድ እንከሎ፣ መንግስቲ ነቲ እናተጓሃሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ንምቑጽጻር፣ ዝተፈላለየ ክልላት ዝሓቖፈ ኣዋጃት በብእዋኑ ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ኣብ መብዛሕተን ከተማታት ክልል ኣምሓራ፣ ትካላት ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ክዕጾ፣ ብዘይካ ኣባላት ፈደራላዊ ሰራዊት፣ ጠበናጁ ዝሓዙ ሰባት ከይንቀሳቐሱን ወትሃደራዊ ልብሲ ፍሉይ ሓይልታት ከይልበስን ዝኣመሰለ ኣዋጃት ድሕሪ ምሕላፉ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ወጥሪ ኣይሃድአን።

ብፍላይ ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ 132 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደብረብርሃን፣ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝበኣሰ ምዃኑ’ያ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

ኣብታ ከተማ፣ ምእታው ኮነ ምውጻእ ከምዘየለን፣ ናብ ደሴ ዝወስድ ኣውራ መንገዲ ድማ ጠቕሊሉ ከምዝተዓጽወን ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፣ ዝተፈላለየ ነገራት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ተዓጊተን ምህላወን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ከባቢ ደብረብርሃን፣ ናይ ከቢድ ብረት ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ከምዝነበረ ንነበርቲ እታ ከተማ ብምጥቃስ እቲ ምንጪ ኣመልኪቱ።

ኣጣዩ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከተማ ናይቲ ክልል’ውን ብተመሳሳሊ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻታት ኣምሓራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት፣ ካብታ ከተማ ከምዝሃደሙ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎ ፈደራላዊ ሰራዊት ናብተን ከተማታት ኣብ ምውፋር ይርከብ።

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻታት ፋኖን፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ ኣዋጅ ዳግመ ምደባ፣ ዝተፈላለየ ምኽንያት ብምቕራብ ይነጽግዎ ኣለዉ።

==========================

 

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0