ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዋ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያ ክትበጽሕ’ያ፡ ኢጣልያ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ

Radio Erena:14 April 2023

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጆርጂያ መሎኒ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክትፍጽም’ያ።

ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኢጣልያ ዝኾነት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚያዝያ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ እተካይዶ ምብጻሕ፣ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኣ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ጉዳይ ምግታእ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈልሱ ስደተኛታትን ምስኡ ተተሓሒዙ ክትግበር ዝኽእል ዝተፈላለየ ምትሕግጋዝን ክትዝቲ ትጽቢት ኣሎ።

እታ ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ ናብ ኢትዮጵያ ተምርሕ ዘላ፣ ኢጣልያ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጃ’ዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኢጣልያ፣ ነቲ ኣዋጅ፣ ብሰሉስ 11 ሚያዝያ፣ ዘሕለፈ፣ ማዕበል ባሕሪ ክሃድእ ኣብ ዝጀመረሉ ወቕቲ፣ ካብ ገማግም ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሳ፣ ስደትኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብብዝሒ ክመጻእ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ካቢነ፣ ነዚ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምጋታእ ስደተኛታት ዝውዕል ናይ 5 ሚልዮን ኤውሮ ባጀት ኣጽዲቑ።

ጓል 46 ዓመት፣ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ መሎኒ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸትሉ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዕቱብ ክትሰርሕ ምዃና’ያ ተመባጺዓ።

እንተኾነ ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 31 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ሚኒስትሪ፣ እዚ ብዝሒ’ዚ፣ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይዛይድ።

ብሰኑይ 10 ሚያዝያ ጥራይ፣ ኣስታት 1200 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ፣ ናብ ገማግም ኢጣልያ ከምዝተጸግዓ ተሓቢሩ።

ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2023፣ ስደተኛታትን ሓተዑቕባን ዝጸዓና ሓያሎ ጀላቡ ብምጥሓለን፣ ብውሕዱ 400 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታት በብወገነን ይገልጻ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሎኒ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ናብ ሊብያ ብምብጻሕ፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምኡ ድማ ኣብ መሸጣ ጋዝን ነዳዲን ካብታ ሃገር ብዝምልከት ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ስምምዓት ከምዝኸተመት ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0