ሱዳን፣ መንነቶም ናይ ዘይተፈልጠ ናይ 180 ሰባት ቀብሪ ተኻዪዱ

Radio Erena: 04 June 2023
ዝርርብ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ካርቱም፤ ድምጺ ጠያይትን ከቢድ ብረትን ክስማዕ ምጅማሩ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተጠቒሙ፤ ሬሳታት ግዳያት ክእክብ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ትካል ቀይሕ ወርሒ፤ 180 ሰባት ከምዝቐበረ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ እዋን እዩ፤ ዳግማይ ኲናት ዝውላዕ ዘሎ።
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጠ ግዳያት፤ 102 ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካርቱም ክርከቡ እንከለዉ፤ 78 ከኣ ኣብ ዳርፉር ዝተቐትሉ እዮም።
ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተበጽሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፤ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ግቡእ ስነስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም ዕድል ዝህብ እኳ እንተነበረ፤ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ዝሓለፈ ረቡዕ ካብቲ ዝርርብ ብምስሓቡ፤ ኣዛተይቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፤ እቲ ዘተ ብወግዒ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጠን እየን።
ቅድሚ ሳልስቲ ሰራዊት ሱዳን ናብ ማእከል ዕዳጋ ወንጪፉዎ ብዝተባህለ ከቢድ ብረት፤ ብውሑዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ብዋሕዲ ቀረብ መድሃኒትን ማይን ዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ከተማ ካርቱም፤ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ እውን ሆስፒታላትን መንበሪ ኣባይትን ምቁጽጻር ይቕጽሎ ስለዘሎ፤ ኣንጠጥዩዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ንምምላጥ ዕድል በብዝረኸቦ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይዕቆብ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0