‘ኣብ ኢትዮጵያ፤ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ብሄር ዝመንቀሊኡ ምጽናት ዜጋታት ይቕጽል ኣሎ’ ህዩማን ራይትስ ዎች

Radio Erena: 04 June 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፤ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ብሄር ዝመንቀሊኡ ምጽናት ዜጋታት ይቕጽል ኣሎ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቲ ትካል ብ1 ሰነ፤ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ዝበሎ መግለጺ፤ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ፤ ኣብቲ ተቖጻጺሮሞ ዘለዉ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፤ ገበናት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
ዳይረክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለቲሲያ ባድር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ እዋን፤ ብሓይልታት ኣምሓራ ተረሺኖም ድሕሪ ምባላ፤ እዝን ካልእ ገበናትን ክፍጸም እንከሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ይፈልጥ ኔሩ’ዩ ኢላ።
ንሳ ብተወሳኺ፤’ኣብቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ፤ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ዓሰርተታት ሰባት ኣዘራሪብና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ እቶም ተወላዶ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብሕሱም ይግረፉ ምንባሮም፤ ንገለ እሱራት ከኣ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ዕጡቓት ንደገ እንዳውጽኡ ይርሽንዎም ኔሮም’ ክትብል ገሊጻ።
እቲ መርመራ ገና ይቕጽል እኳ እንተሎ፤ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ትእዛዝ ዝህቡ ዝነበሩ ክልተ ሓለፍቲ፣ ገና ኣብ ስልጣን ምህላዎም ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ፤ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ቅሬታኡ ይገልጽ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0