ኬንያ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንዶላር ክሕሰማ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 04 June 2023
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፤ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ባጤራ ዶላር ናጻ ዝኾነ ምልውዋጥ ንግዲ ከካይዳ ጸዊዑ።
ዊልያም ሩቶ፤ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ንዝተጋበአ ዋዕላ ወከልቲ መንግስታትን ብሕታውያን ኣውፈርትን ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ‘ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ባጤራ ንውንን ብምዃንና ኣብ መንጎና ዝካየድ ንግዲ፣ ዶላር ክንጥቀም ንግደድ ኣለና፤ እዚ ዘስዕቦ ዘሎ ምትሕልላኽን ክብሪ ኣቑሑን ንምውጋድ፤ ናይ ገዛእ ርእስና ሜላ ከነተኣታትዉ እዋን’ዩ’ ኢሉ።
ንሱ፤ ነቲ ኣብ 2022 ብኣፍሪካን ኢምፖርት ኤክስፖርት ባንክ ዝተማህዘ ሜላ ምልውዋጥ ንግዲ ከም እማመ ኣቕሪቡ።
ኣባል ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ባንክ ኣፍሪቃ ናይ ወርቂ ማዕከን ክኸፍታ፤ ዋጋ ባጤረአን ከኣ ብእኡ ክምዘን ዝብል እማመ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2022 ከም እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከላይ ባንክ ኣፍሪቃን ደገፎም ምግላጾም ይዝከር።
ኬንያ ብምዝንባዕ ክብሪ ባጤራ ዶላር ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ብዝርከብ ሕሳበን ኣቢለን እየን ኣብ መንጎአን ንዘካይዶኦ ምልውዋጥ ንግዲ ዝኸፍላ።
ማእከላይ ባንክ ኣፍሪቃ፤ናይ ኩለን ኣባል ሃገራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ባጤራ ብመልክዕ ወርቂ ክቆጻጸር እንተጀሚሩ፤ ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሃገራት ምዕራብ ኣይክጽሎን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፤ ናብ ቁጠባዊ ሓድነት እውን ከምርሐን ስለዝኽእል ጽልዋኡ ዓቢ ከምዝኸውን ይግመት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0