ሱዳን፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ካርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ይግዕዙ

Radio Erena: Tuesday 24 October 2023

ሱዳን፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ካርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ይግዕዙ

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፈጣን ሓይልታትን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዳግም እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብ ፖርት ሱዳን ይግዕዙ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል ሸምስ ‘ል ዲን ኣል ከባሺ፣ ኣብ ኡምዱርማን ካብ ዝርከብ ዋና እንዳ እዚ ናብ ፖርት ሱዳን ከምዝገዓዘ ዝሓበራ መርበባት ዜና እታ ሃገር፣ ካልኦት’ውን ይስዕብዎ ምህላዎም ጠቒሰን።

እቲ ጀነራል፣ ናብ ፖርት ሱዳን ዝገዓዘ፣ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት ኣብቲ እንዳ እዚን ከባቢኡን ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ እናሓየለ ድሕሪ ምምጽኡ’ዩ።

ካልኦት መርበባት ብወገነን፣ ጀነራል ከባሺ ካርቱም ዝገዓዘ፣ ኣሰር ጀነራል ኣልቡርሃን ስዒቡ፣ ብመንገዲ ፖርትት ሱዳን ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዑደት ንምክያድ ምዃኑ ጠቒሰን።

እብ 15 ሚያዝያ ዝተወሎዐ ኵናት ክልቲኦም ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ዛጊት ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ንሱዳን ኣብ ካርቱምን ፖርት ሱዳንን መናሃርያኦም ብዝግበሩ ናብ ክልተ መንግስታት ከይገምዓ የስግእ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ንክክያድ፣ ካብ ካርቱም ናብ ፖርት ሱዳን ድሕሪ ምግዕዙ ዛጊት ኣይተመልሰን።

ንዝበዝሐ ኣገዳሲ ክፋል ካርቱም ተቖጻጺሩ ዝርከብ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብወገኑ፣ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ ክምስርት እንተፈቲኑ፣ ንሱ’ውን ኣብ ካርቱም ካልእ መንግስቲ ከቕውም ከምዝኽእል’ዩ ዘጠንቅቕ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0