ኤርትራዊ ኣትሌት ፔትሮ ማሙ፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ፖዝናን፡ ክብረ ወሰን ብምስባር ተዓዊቱ

Radio Erena: Tuesday 24 October 2023

ኤርትራዊ ኣትሌት ፔትሮ ማሙ፡ ትማሊ ሰንበት 22 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ መበል 22 ቅድድም ማራቶን ፖዝናን፡ ክብረ ወሰን ናይ’ቲ መወዳደሪ ቦታ ብምስባር ተዓዊቱ።

ፔትሮ ማሙ፡ ነዚ ህጡር ዓወት ንምሕፋስ፡ ነቲ ዝተመደበ ርሕቐት፡ ብ2 ሰዓታት 9 ደቓይቕን 57 ካልኢታትን እዩ ዓሚምዎ።

እዚ ብኡኡ ዝተመዝገበ ግዜ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ማራቶን ፖዝናን ብቕልጣፊኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግዜ ምዃኑ፡ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ናይ’ቲ ውድድር ኣብ ገጻታ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ናይ’ቲ ቅድድም ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ኣብ መዛዘሚ ሒደት ሜትራት፡ ኣብ መንጐ ፔትሮ ማሙን ኢትዮጵያዊ ቶላ መስፍን ሓያል ምትህልላኽ ዝተንጸባረቐሉ ጥምጥም፡ ወዲ 38 ዓመት ፔትሮ ኣብ መወዳእታ ንቶላ ብሓንቲ ካልኢት በሊጹ ዕዉት ናይ’ቲ ዕለት ኮይኑ።

ኣብ’ዚ ካብ 35 ሃገራት ዝተዋጽኡ 4100 ኣትሌታት ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ውድድር፡ ኢትዮጵያዊ መንግስቴ ደመቐ፡ ካብ ፔትሮ ብ3 ካልኢታት ድሒሩ፡ ንወዲ ሃገሩ ቶላ ስዒቡ፡ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ፔትሮ ማሙ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘሰላሰሎ ውድድር ማራቶን ጀኔቭ፡ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።

ብሰንበት ድማ፡ ኣብ ከተማ ፖዝናን ነቲ ናይ ጀኔቭ ሰዓታቱ ብ25 ካልኢታት ኣመሓይሽዎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0