ርዋንዳ፣ ናብ ህዝቢ ቃዛ፣ ህጹጽ ሓገዛት ልኢኻ

Radio Erena: Tuesday 24 October 2023

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግዳይ ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢ ቓዛ ንምሕጋዝ ዝውዕል፣ 16 ቶን ዝግመት ረዲኤት ልኢኹ።

እቲ መብዛሕቱ፣ ከም መድሃኒታት ዝኣመሰለ ኣብ ህጹጽ ጉዳያት ዘገልግል፣ ኣስታት 16 ቶን ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ብመንገዲ ኣየር ርዋንዳ ኣቢሉ’ዩ ናብ ሃገር ዮርዳኖስ ኣትዩ።

እቲ ካብ ርዋንዳ ዝተላእከ ረዲኤት ብ21 ጥቅምቲ ናብ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምእታው፣ በቲ ንሰብኣዊ ሓገዛት ተባሂሉ ብግብጺ ተኸፊቱ ዘሎ መንገዲ፣ ብመካይን ተጻዒኑ ናብ ህዝቢ ቓዛ ክበጽሕ’ዩ።

ርዋንዳ ነቲ ሓገዝ ናብ ቓዝ ክትልእኽ ዝወሰነት፣ ምስቲ ግዳይ ኵናት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ፍልስጤም ከምእትደናገጽን ንምርኣይን ምሕዝነታ ንምግላጽን’ዩ።

እስራኤል፣ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝበዝሕዎም ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ዝገበረ መጥቓዕቲ፣ ኣብ ዞባ ቓዛ፣ ኣልማማን ጃምላውን ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ’ያ ትርከብ።

ብሰንኩ ድማ ኣስታት 2 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዞባ ቓዛ ካብ መነባብርኡ ክበታተን እንከሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ተጻባይ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ።

እንተኾነ እስራኤል፣ ንዞባ ቓዛ ኣብ ከበባ ስለዘእተወቶ፣ ካብ ለገስቲ ዝተላእከ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምቲ ዝድለ ናብ ህዝቢ ፍልስጤም ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ኣብዚ ናብ ዞባዊ ግጭት ከይዓርግ ተሰጊኡ ዘሎ ኵናት፣ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መርገጺታት ተፈላልየን ይርከባ።

መርኣያ ምሕዝነታ ምስ ህዝቢ ቓዛ ህጹጽ ረዲኤት ዝልኣኸት ርዋንዳን ኡጋንዳን ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ከምዝደናገጻ ክገልጻ እንከለዋ፣ ኬንያ ብኣንጻሩ፣ ኣብ ጎኒ እስራአል ከምዘላ’ያ ኣፍሊጣ።

ኣርማ ፍልስጤም ተጎልቢቡ ምስ ህዝቢ ኣብ ሰልፊ ዝወጸ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራማፎሳ ድማ፣ ግዳይ ተመሳሳሊ ፖሊሲ ኣፓርታይድ ኮይኑ ኣሎ ንዝበሎ ህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ዘይቕየር ደገፍ ኣነጺሩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0