ኢትዮጵያ ንስርቂ ረድኤት ዝምርምር ኮሚቴ ቆይሙ

Radio Erena: Monday, 26 June 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሃብቲ ረድኤት መሻርኽቱን፡ብተደጋጋሚ ክቐርብ ዝጸንሐ ክስታት ስርቅን ብልሹው ኣጠቓቕማን ቀረባት ረድኤት ዘጻሪ ሓባራዊ ቴክኒካዊ መርማሪ ኮሚቴ ከም ዘቖሙ ተሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊት ካሳ ብቐዳም 24 ሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡እቲ ኮሚቴ ንኹሉ እቲ ከም ብዓል ፕሮግራም መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዛት ኣብ ዝጽበይሉ ዘለዉ ወቕቲ ንኽወጹ ዝገበረ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዘጻሪ ኣፍሊጣ።

ሰላማዊት ብምቕጻል፡ እቲ ዝቖመ ሓባራዊ ኮሚተ፡ብኾምሽን ምምራሕ ስግኣታት ሓደጋ ኢትዮጵያ ከም ዝምእዘንን፡ እቲ ኮምሽን ስርሑ ካብ ዝጅምር፡ፍረ ዘለዎ ዘተታት ኣካይዱ ምህላዉ እውን ኣፍሊጣ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 20 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ብሰንኪ ኲናትን ድርቅን ዘስዓቦ ሽግራት ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ይኹን እምበር ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ስርቅን ምጥፍፋእን ረድኤት፡ፕሮግራም መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ደው ከብል ምውሳኑ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0