ሱዳን፡ ኣብ ጂዳ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ተቛሪጹ

Radio Erena: 01 June 2023

ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ምስ ፈጣን ሓይልታት፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ከካይዶ ዝቐነየ ዘተ ከም ዝሰሓበ
ተፈሊጡ።

እቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዕዲ ዓረብን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን
ክካየድ ዝቐነየ ዘተ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጽጻሕ፣ ውሑስ መንገድታት ንምኽፋት፣ ምቑራጽ
ቶዅሲ ንምትግባር ዝዓለመ’ዩ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ካብቲ ዘተ ሃንደበት ከምዝሰሓበ ዝግለጽ ዘሎ፣
ኣቐዲሙ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሐ ውዕል ምቑራጽ ቶዅሲ፣ ብሰኑይ 29 ግንቦት ምስ ኣብቀዐ፣
ንተወሳኺ 5 መዓልታት ክናዋሕ ከምዝተሰማምዑ ካብ ዝተገልጸሉ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ጸኒሑ’ዩ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋድየር፣ ነቢል ዓብደላ፣ ብረቡዕ 31 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብጀነራል
ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት፡ ንዝተበጽሐ ውዕላት ምቑራጽ ቶኽሲ ብብተደጋጋሚ
ብምጥሓስ፡ ሆስፒታላት ዝርከቦ ሲቪላውያን ትካላት፣ ዒላማ ስለዝገበሩ፡ ካብቲ ዘተ ክስሕቡ
ከምዝተገደዱ ኣረዲኡ።

ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ጅዳ ዝካየድ ዝነበረ
ዝርርባት ምስሓቡ፣ ነቶም ሓይልታት ንምውንጃል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንውዕል ምቁራጽ ተኹሲ
ብምጥቃስ፣ ናይ ነፈርቲን ከቢድ ብረትን መጥቃዕታት ንምቕጻል’ዩ ክብል ወቒሱ።

ኣብ 06 ግንቦት ዝጀመረ ዘተ ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላውን ህጹጽ
ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ንምብጽጻሕን፣ ዝዓለመ ሰለስተ ውዕላት ምቁራጽ ተኹሲ`ኳ እንተተገብረ፣
ብተደጋጋሚ ክጠሓስ’ዩ ጸኒሑ።

ምውጻእ ሰራዊት ሱዳን ካብ ዘተ፡ ነቲ ውልዕ ቅህም ክብል ዝቐነየ ግጭት ነዳዲ ከይውስኸሉን፡ እታ
ሃገር ናብ ካልእ ዝኸፍአ ግጭት ከይትኣቱን ስግኣት ፈጢሩ`ሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0