ሱዕዲ ዓረብ፣ 500 ኩንታል ተምሪ ብረዲኤት ናብ ኤርትራ ልኢኻ

Radio Erena: 01 June 2023

ስዑዲ ዓረብ፣ 500 ኩንታል ተምሪ፣ ብረዲኤት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንጉስ ሳልማን፡ ብረቡዕ 31 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ናይ ረዲኤት ተምሪ፣ ብመንገዲ ‘ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣቢሉ ከምዝተረከበ ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ንግስነት ስዕዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ፣ ሳቒር ቢን ሱለይማን ኣል ቁሬሺ፡ ነቲ ረዲኤት፣ ኣብ ኣስመራ ንወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከቦ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ቱርኪመንሲታን’ውን 250 ኩንታል ተምሪ ብረዲኤት ከምዝልኣኸተ ጠቒሳ።

ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንጉስ ሳልማን፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ረዲኤታት ክልእኽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0