ምስ ኤርትራ፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ንምትሕግጋዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ገሊጹ

Radio Erena: 01 June 2023

ምስ ኤርትራ፣ ኣብ ንግዲን ቁጠባን ዘተኮረ ዝምድናታት ቀዳምነታት ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ካልእ ብዙሕ መዳያት ክንተሓጋገዝ ተኽእሎ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነዚ ዝገለጸ፣ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ንምክያድ፣ ናብ ሩስያ ምስ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ31 ግንቦት፣ ኣብ ቤት መንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ንሱ፣ ብተወሳኺ፣ ምስ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ዝምድና ኣሎና ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ዛዕባታት ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣስሚርሉ።

ናይዚ ኣብነት ድማ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብ መፈለምታ ናይዚ ዓመት ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሐ እቲ ፕረዚደንት ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ዝጀመሮ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንግስነት ኤስዋቲኒን ኣንጎላን ብምብጻሕ፣ ብ26 ጥሪ፣ ናብ ኤርትራ ብኤርትራ ከምዝዛዘሞ ኣይርሳዕን።

እቲ ሚኒስተር፣ ናይ ቦስትዋና ዑደቱ ምስ ተሰረዘ፣ ብሃንደበት ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ከምዝወሰነ’ዩ ኣብቲ እዋን’ቲ ተሓቢሩ።

ናይዚ እዋን’ዚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሩስያ ይኹን ምብጻሕ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ሚኒስተር ላቭሮቭ ናብ ኤርትራ፣፣ ካብ ናይ ፖለቲካ ሽርክና ወጻኢ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉ’ዮም ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን፣ ኣብ 2021 ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ትሬዲንግ የመልክት።

ህግደፍ፣ ብስም ባንክ ኣባይቲ፣ ኣብ ሩስያ፣ ባንክ ጋዝፕሮም ሕሳብ ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ።

ኣንጻር ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ ደው ከም እትብል እትግለጽ ሩስያ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምዕባይ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝምድናኣ ኣብ ምሕያል’ያ ትርከብ።

እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ምስ ሱዳን ዘተ ጀሚራ ምንባራ ኣይርሳዕን።

ናብ ሩስያ ናይ መጀመርያ ዑደቱ ዘካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ኣብ ቻይና ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ምብጻሕ ፈጺሙ’ዩ።

========

COMMENTS

WORDPRESS: 0