ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባተን ዝጸንሐ ሰራዊት ክስሕባ ኣብ ስምምዕ በጺሐን

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባተን ዝጸንሐ ሰራዊት ክስሕባ ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena: 19 August 2018

ethio_sudan borderሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባተን ዝጸንሐ ሰራዊት ክስሕባ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ካብ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ብሓሙስ 16 ነሓሰ ዝተኻየደ ናይ ምፍርራም ስነስርዓት፣ ካብ ክልቴን ሃገራት ብዝዋጻእ ናይ ሓባር ሰራዊት ንዶባተን ክሕሉ ምዃኑ ተሰማሚዐን።

ብናይ መጋሃጫ መሬት ኣል ፋሽጋ፣ ከምኡ’ውን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብሱዳን ኣቢሎም ይሶልኩ ኣለዉ ተባሂሉ ኣብ ወጥሪ ዝጸንሐ ዶባት’ዘን ክልተ ሃገራት ንምህድኡ፣ ወተሃደራውያን ክኢልታተን ኣብ ተኸታታሊ ኣኼባታት ከምዝጸንሑ ይግለጽ።

እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ከማል ዓብደልማዕሩፍ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሰፊኑ ንዝጸንሐ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ኣብ ተክኒካዊ መካኒዝም ሓያል ጻዕሪ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጀር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ዝቐውም ናይ ሓባር ሰራዊት፣ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንዝረአ ጸጥታዊ ስግኣት ንምእላይ ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0