ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዑደት ከካዪድ ምዃኑ ተሓቢሩ

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዑደት ከካዪድ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 19 August 2018

abiy and issፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዑደት ከካዪድ ምዃኑ፣ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ ዑደት’ቲ ፕረዚደንት ብንጹር ዝተሓበረ’ኳ እንተዘየለ፣ ምስቲ ንክልል ኣምሓራ ዝወከለ ጉጅለ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዘካየዶ ስምምዕ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ግን ይንገር።

ሓላፊ መራኸቢታት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብፍላይ ከኣ ናብ ክልል ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ምዃኑ’ኳ እንተሓበረ፣ እቲ ዑደት ዝካየደሉ ግዜ ግና ከምዘይገለጸ፣ ብሉምበርግ ብተወሳኺ የመልክት።

ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፣ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ከካዪዱ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይግለጽ።

ኣቐድም ኣቢሎም ተመሳሳሊ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ኦሮሞ፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዘቖማ ሓዳስ ኮሚቴ ክመያየጡ ምዃኖም የመልክታ።

ንዳግማይ ዑደት ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

እዚ ብውሑዳት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ስምምዓትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ይሕበሮ ስለዘየለ፣ ኣብ ሓያሎ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0