መበል 75 ዓመት ምእዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪሩ

Radio Erena: Tuesday, 12 December 2023

10 ታሕሳስ፣ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣወጀለኡ መበል 75 ዓመት ተዘኪሩ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 10 ታሕሳስ 1948፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተጋባኣሉ ዋዕላ ኣብ ዘጽደቖ ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዓሌት፣ ጾታ፣ ሕብሪ ቆርበት ከምኡ ድማ ኣብ ፖለቲካን ካልእን ዝህሉ ውልቃዊ ኣተሓሳስባን ርእይቶን ብዘየገድስ፣ ደቂ ሰብ ማዕረ መሰል ክህላዎም ዘገድድ’ዩ።

እዚ ኣዋጅ ‘ዚ ብመልክዕ ሰነድ ተዳልዩ ናብ ልዕሊ 500 ቋንቋታት ዓለም ተተርጕሙ፣ ኣብ ምዕባይ ኣፍልጦን ንቕሓትን ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ይዝረበሉ’ዩ። 

እንተኾነ፣ ኣብዛ ዓለምና፣ መሰል ደቂ ሰብ ብማዕረ ከምዘይክበርን፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድማ ብዝበኣሰ ከምዝግሃስን ‘ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ዝኽሰሳ ሃገራት ዓለም’ያ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እምነቶም፣ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ካልእን መሰሎም ተገፊፉ፣ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ፣ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ብኣንጻር እዚ ኣብ ኤርትራ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ዓመታዊ ዝኽሪ ምእዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ’ዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ዝኽሪ ምእዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሓርነት፣ ማዕርነትን ፍትሒን ንኹሉን ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0