ሆላንድ፣ ኤርትራውያን ንዝፈጠርዎ ባእስን ዕግርግርን ንምህዳእ፣ ብሄሊኮፕተር ዝተሰነዩ ኣሃዱታት ፖሊስ ከምዝወፈሩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 May 2023

ኣብ ሆላንድ፣ ብኤምባሲ ተወዲቦም፣ መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል ኣብ መንጎ ዝተኣኻኸቡን፣ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ንመርበባት ዜና እታ ሃገር ብምውካስ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሆላንድ፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ራይስዊክ፣ ብሰንበት 28 ግንቦት፣ ዝተኻየደ ባእሰን ዕግርግርን፣ ብኻራሩ ዝተወግኡን በኣባትርን ኣእማንን ዝተፈግኡን ከምዘለውዎም ዝሓበረ መርበብ ዜና ረጅዮ15 ብወገኑ፣ ኣሃዱታት ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ ብሄሊኮፕተር ዝተሰነየ ወፍሪ ምክያዶም ኣፍሊጡ።

እቲ ባእስን ዕግርግርን፣ ኣብ ኣፈደገ ናይቲ፣ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንምክያድ ዝተመርጸ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ ምስ ተጎሃሃረ፣ ፖሊስ ነቲ መደብ ከምዝሰረዞ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኤምባሲ ኤርትራ፣ ነቲ መደብ፣ ብተብተብን ብምስጡርን ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ከካይዶ እኳ እንተተጓየየ፣ ንጸጥታን ርግኣትን እቲ ከባቢ ሓደገኛ’ዩ ተባሂሉ ስለዝተገምገመ፣ ብፖሊስ ከይካየድ ከምዝተኸልከለ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ከንቲባ እታ ከተማ፣ ‘ሰባት ዝተጎድእሉ፣ ዘሕዝን ስርዓት ኣልቦ ፍጻሜ’ ክብል ነቲ ባእሰን ዕግርግርን ኤርትራውያን ብመንገዲ ትዊተር ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብታ ከተማን ኣዳራሽን፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ተወዲቡ ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫል ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተዘርገ ይዝከር።

ኣብ ሆላንድ፣ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝርከብዎም፣ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን፣ ብኤምባሲታት ተወዲቡ ንዝካየድ ንጥፈታት ደው ንምባል፣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ምንቅስቓሳት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0