ሰራዊት ኤርትራ: ብዝምታን ጭውያን ይኽሰስ

Radio Erena: Monday, 12 February 2024

ንገለ ክፋል ትግራይ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዝምታ ከብቲን ምጭዋይ ሰባትን ይኽሰስ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምርኩስ ብምግባር ማዕከን ዜና ኣሾሼትድ ፕረስ ገሊጻ::

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ብ22 ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ሸሞንተ ጓሶት ምስ የእዱጎምን ኣግማሎምን: ብ5ን 6ን ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ሽዱስተ ሓረስቶት ምስ 56 ጥሪቶም: ኣብ ሓደ ከምኡ ኣጋጣሚ ውን ልዕሊ 100 ጥሪት ከምዝዘመቱ ኣሾሼትድ ብረስ ትገልጽ::

ኣብ ልዕሊ’ዚ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ትግራይ ደርቂ ኣጥቂዑ ብምህላዉ ሓያሎ ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉን: ትካላት ረዲኤት ድማ ኣብቲ እቶም ሰራዊት ዘለዉዎ ዝኽልከሉ ብምኳኖም ሓገዝ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ይገልጹ::

ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ክሲ ‘ጻዕዳ ሓሶት’ እዩ ብምባል ነጺግዎ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0