ሶማልያ: ኣል-ሸባብ መዓስከር ኢማራት ኣጥቂዑ

Radio Erena: Monday, 12 February 2024

ብቀዳም 10 ለካቲት ዕጡቓት ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ኣካይዶም::

በቲ ኣብ ከተማ መቓድሾ ዝተገብረ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኢማራቲን ሓደ ባሕሬናውን ክቕተሉ እንከለዉ ሓያሎ ካልኦት ድማ ቆሲሎም::

መሪሕነት ኣል-ሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብወግዒ ብምቕባል እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ምኽንያት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመንግስቲ ሶማልያ ዝድግፍ ብምኳኑ እዩ::

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝኸፈተት ንወተሃደራት ሶማልያ ስልጠና ንምሃብን ቅርሰና መራኽብ ንምክልኻልን እዩ::

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብተወሳኺ መሃያ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ምኽፋል’ውን ትተሓጋገዝ እያ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0