ኤርትራ: ዝተረስዑ ስንኩላን ኩናት ኣብ ከቢድ ናብራ

Radio Erena: Monday, 12 February 2024

ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ብ9 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓመታዊ ጉባኤኡን ገምጋምን ኣካይዱ ኔሩ::

እቲ ማሕበር ኣባላቱ ኣብ ንጥፈታት ምፍራይ ደርሁ: ምግፋፍ ዓሳ: ምፍራይ ሕብስቲ ባኒን ካልእን ከዋፍሮም ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ::

ኣብ 2023 ን405 ኣባላቱ ናይ 6 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ከምዝተዋህበ ብተወሳኺ ተገሊጹ::

እዚ ዝግለጽ ዘሎ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ከርፋሕ ናብራ ከምዝርከቡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ::

ስንኩላን ኩናት ኣብ ዝወሃቦም ቁንጣሮ መሃያ ኣብ ጉዳያት ምርካብ መንበሪ ኣባይቲ ኣዝዮም ከምዝሽገሩን ገለ ምስ ስድረኦም ክጽግዑ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ኣብ መዓስከራት ተጨቓጪቖም ይነብሩ::

ኣብ ኣስመራ መዓስከር ቃኘው ዝነብሩ ስንኩላን ንኣብነት ኣብ ብሕታውነቶም ክሕልዉሉ ዘይክእሉ ብከብሒ ወይ ባኮ ዝተመቓቐለ ኣባይቲ ተጨቓጪቖም ከምዝነብሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይገልጹ::

ንስንኩላን ተባሂሉ ኣብ ቪላጆ ፋት ቲቲኣይ(TTI) ዝተሰርሐ ኣባይቲ ንካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድሕሪ ምውሃቡ ሓያሎ ስንኩላን ኣብ ተስፋ ምቑራጽ እዮም ዝርከቡ::

ስንኩላን ንምምሕያሽ መነባብሮን መንበሪ ኣባይቲን ዝምልከት ናብ መንግስቲ ተደጋጋሚ ጥርዓን’ኳ እንተቕረቡ: ዛጊት ዝሰምዖም ከምዝሰኣኑ የማርሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0