ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሐ ክፋል ምዕራብ ትግራይ ካብ ዕጡቓት ኣምሓራ ብምምንዛዕ ከምዝተቖጻጸሮ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 09 May 2024

ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሚሊሻታትን ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብዚ እዋንዚ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከባቢታት ወልቃይት – ሑመራ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲን ግጭት ከምዝነበረ ዝሓበርት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ብወገና፣ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ከባቢታት ኣብ ምሉእ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ከምዝኣተወ ንነበርቲ ብምውካስ ኣረጋጊጻ።

ሰፊሕ ከባቢታት ወልቃይት – ሑመራ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ናይ ይግብኣኒዩ ምስሕሓብ ዘለዎዩ።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ክጽዋዕ ዝጸንሐ ከባቢታት ወልቃይትጸገዴ – ሑመራ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይዩ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራ ወዲቑዩ ጸኒሑ።

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብቲ ዞባ ዝተፈናቐሉ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ነናብ ዓድታቶም ከምዝምለሱ ገሊጹ ኣሎ።

ብደቡብ ትግራይውን ኣብ ከባቢታት ራያኣላማጣ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ትግራይን ኣምሓራን ግጭት ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ዞባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክቖጻጸሮ ከምዝኸኣለ ዩ ተሓቢሩ።

ብሰንኪቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ 39 ሽሕ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ናብ ከተማ ቆቦ ከምዝኣተወ እታ ጋዜጣ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን ተቖጻጺሮሞ ንዝነበሩ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ክለቑ ይግደዱ ምህላዎም ዩ ዝትንተን።

ስእሊ፡ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0