ባንክ ዓለም ንሃገራት ኣፍሪቃ ዓመታዊ ዝህቦ ልቃሕ ናብ 120 ቢልዮብ ዶላር ከዕብዮ ተሓቲቱ

RADIO ERENA – Thursday, 09 May 2024

ባንክ ዓለም፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ፣ ዓመታዊ ዝህቦ ልቃሕ ናብ 120 ቢልዮን ዶላር ከዕብዮ ተሓቲቱ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ባንክ ዓለምን፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ነቶም መራሕቲ ብምውካል ኣብ ዘስምዖ መደረዩ ነዚ ሓቲቱ።

እቲ ዋዕላ፣ ብስም እቲ ኣብ 1960 ዝተመስረተ ኣካል ባንክ ዓለም ዝኾነ፣ ማሕበር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ዕላምኡ ድኽነት ንምንካይ፣ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽን ዘኽእል፣ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቃሕን ምወላን ንምሃብዩ።

ኣብዚ እዋን75 ሃገራት ኣብዚ ማሕበር ዝተሓቖፋ ክኾና እንከለዋ፣ 39 ካብኣተን ኣብ ኣፍሪቃየን ዝርከባ።

ባንክ ዓለም፣ ብመንገዲ እቲ ማሕበር ካብ 2021 ኣስታት 93 ቢልዮን ዶላር ክምውል ከምዝጸንሐት ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2024 ናብ 120 ቢልዮን ዶላር ክዓቢዩ ሓቲቱ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንታት ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ሶማልን ካልኦትን ዝርከብዎም ኣስታት 20 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0