ኤርትራ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ ከተኽብር ጻውዒት ቀሪቡ

RADIO ERENA – Thursday, 09 May 2024

06 ግንቦት ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 46 ስሩዕ ዋዕላ ዓለምለኻዊ እዋናዊ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት እወታዊ ገስጋስ ተመዝግብ ከምዘላ ገሊጻ።

ንኤርትራ ዝወከለ፣ ብኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ምቕናስ ምኽንሻብ ደቂንስትዮ ዝርከቦ ባህላውን መሰላት፣ ገስጋስ ከምዘርኣየትዩ ጠቒሱ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ነቲ ኤርትራ ኣመዝጊበዮ እትብሎ ዘላ ገስጋስ ብምምጓስ፣ ክንዩኡ ዝኸይድን ክርአ ዝኽእልን ምኽባር መሰላት ከተተግብር ጽዊዒም።

ሓደ ካብቶም ነዚ ጻውዒት ዘቕረቡ፣ ወኪል ብሪጣንያ ኮይኑ፣ ኤርትራ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ብሕቡራት ሃገራት ንዝተመዘዘ ልኡኽ ወይ ፍሉይ ራፖርተር ናብታ ሃገር ኣትዩ መጽናዕቱ ክካይድ ክትፈቅድ፣ ግዱድን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ፈጢርዎ ዘሎ ኣለኡታዊ ጽልዋታት ክጽናዕ፣ ካብ ዝንደፍን ዝጸድቅን 20 ዓመታቱ ተቓሪቡ ዘሎ ቅዋም ክትግብርን ናጻ ሜድያ ክህሉን ዝብል እማመታት ኣቕሪቡ።

ኤርትራ፣ ብምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ቀዳምት 10 ሃገራት ዓለምያ ትስራዕ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0