ኢትዮጵያ ዝሸመተተን 11 ናይ ጽዕነት መራኽብ ካብ መኽሰበን ክሳርአን ከምዝዓቢ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ ዝሸመተተን 11 ናይ ጽዕነት መራኽብ ካብ መኽሰበን ክሳርአን ከምዝዓቢ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 September 2017

ethiopia ship

ኢትዮጵያ፣ ዝሸመተተን 11 ናይ ጽዕነት መራኽብ፣ ካብ መኽሰብን ክሳርአን ስለዝዓበየ፣ ተወሰኽቲ 11 መራኽብ ንምግዛእ ዝወጠነቶ መደብ ከምዝተቋረጸ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባሕሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ብ23 መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እተን ደረቕን ፈሳስን ከጎዓዕዛ ተባሂለን ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝተገዝኣ 11 መራኽብ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣኽሰርቲ ኮይነን ስለዝተረኽባ፣ ተወሰኽቲ ምግዛእ ከምዘየድሊ ኣረዲኡ።

 

ኢትዮጵያ፣ ትሽዓተ ደረቕ ኣቑሑ፣ ክልተ ድማ ነዳዲ ዘመላልሳ ብድምር 11 መራኽብ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ምሽማታ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እተን መራኽብ ምስ ዕዳጋ ዓለም ክወዳደራ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣለን፣ ኢትዮጵያ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ወደብ ስለዘይብላ፣ ብዘይስራሕ ደው ኣብ ዝብላሉ፣ ሚልዮናት ዶላራት ናይ ወደብ ክራይ ክኸፍላ ምጽንሐን’ዩ ዝንገር።

ኣካያዲ ስራሕ መጓዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣቶ ሮባ መገረሳ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እተን መራኽብ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ክሳራታተን እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ኣረጋጊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ክሳራታት እዚ ክትጻወሮ ስለዘይትኽእል ከኣ፣ ኣብ ክንዲ ተወሰኽቲ መራኽብ ምግዛእ፣ ንእትሽምቶ ይኹን ናብ ወጻኢ እትልእኮ ነገራት ናይ ክራይ መራኽብ ክትጥቀም ከምዘዋጽኣ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣረዲኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0