ሑቲ፤ ከተማ ጣይዝ ንምቁጽጻር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይጅምር

Radio Erena: Sunday, 06 August 2023

ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፤ ንከተማ ጣይዝ ንምቁጽጻር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይዱ መዲቦም ኣለዉ ክብል ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጹ።

ዓብዱል ባስጥ ኣልባሕር ንኣራብ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ሓይልታት ሑቲ ኣብ ምብራቓዊ፤ ሰሜናዊ ምብራቕን ምዕራብን ከባቢታት ከተማ ጣይዝ መጥቃዕቲ ምኽፋቶም፤ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ፈተነ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ዘመልክት እዩ ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ እዚ ቀዳማይ መጥቃዕቲ፤ ዓቕሚ ሰራዊት የመን ንምግምጋም ዝተኻየደ እዩ ኢሉ።

በብእዋኑ ክቅህምን ክበራበርን ኣብ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም የመን፤ ነዛ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረላ ከተማ ጣይዝ እንተተቖጻጺሮማ ሓይልታት ሑቲ፤ ላዕለዋይ ኢድ ክህልዎም እዩ።

እንተኾነ እቲ ኣብ መፈለምታ’ዚ ወርሒ’ዚ ዝጀመረ መጥቃዕቲ፤ ሓይሉ ወዲኡ ይቅህም ምህላዉ፤ ጸብጻባት ዜና ካብታ ሃገር ኣመልኪቶም።

ናብ ከተማ ጣይዝ ዘእቱ መንገዲ ገና ተዓጽዩ ምህላዉ፤ ምንቅስቓስ ህዝቢ ተደሪቱ ጥራይ ዘይኮነ፤ ረዲኤት ንምብጽጻሕ እውን ኣሸጋሪ ኮይኑ ምህላዉ ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0