ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ብቀቢላ ዝቖመ ሚሊሻ ንወትሃደራዊ መዓስከር ተቖጻጺሩ

Radio Erena: Monday, 28 August 2023

ኣብ ዶባት ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትንድን ዝንቀሳቐስ ብቀቢላ ዝቖመ ሚሊሻ፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ዝዓበየ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝተቖጻጸረ ተገሊጹ።

ኣብ ሱል፣ ሳናግን ካያን ዝተባህለ ከባቢታት ዝርከቡ ቀቢላ ድሑልብሓንተ ዝቖመ ሚሊሻ፣ ናብ ቀዳም 26 ነሓሰ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ርእሰ ምምሕዳራት ንእትርከብ ከተማ ላስ ኣኖድ ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ’ዩ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ርእሰ ምምሕዳርር ሶማሊላንድ ዝነበረ መዓስከር ክቖጻጸሮ ክኢሉ።

ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ፣ ህዝቢ በቲ ፍጻሜ ከይርዕድ ብምጽዋዕ፣ ሰራዊት ተሪር ጸረ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ብቀቢላ ዝቖመ ሚሊሻ፣ ናይ ገዛ ርእሱ ምምሕዳር ንምቛም ዝቓለስ ኮይኑ፣ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድ ክቓወምዎ ከምዝጸንሑ ሰነዳት ታሪኽ ይጠቕስ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን፣ ብዋንነት ዕምርቲ ናይ ንግዲ ከተማ ምዃና ዝንገረለ ላስ ኣኖድ ድሕሪ ዝተበገሰ ምስሕሓብ፣ ፑንትላንድ ነቲ ሚሊሻ ብምድጋፍ ኣንጻር ሶማሊላንድ ተዋፍሮ ከምዘላ ‘ያ ብወገን መንግስቲ ቢሒ ትውቀስ።

ኣብ ከተማ ላስ ኣኖድ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 180 ሽሕ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ከምዝተመዛበለ’ዩ ዝውቀስ።

ላስ ኣኖድ ኣካላ ምዃና እትገልጽ ሶማሊላንድ ንባዕላ ኣብ 1991 ካብ ሶማል ተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር እኳ እንተቖመት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0