ኤርትራ፣ ዓመታዊ ናብ ወጻኢ ሃገራት እትልእኮ ጥረ ነገራት ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር በጺሑ

Radio Erena: Monday, 28 August 2023

ኤርትራ ዓመታዊ ናብ ወጻኢ ሃገራት እትልእኮ ጥረ ነገራት፣ 719 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ጠቒሱ።

ኣብ 2021፣ ኤርትር ናብ ወጻኢ ሃገራት እትልእኮ ነገራት ኣስታት 620 ሚልዮን ዶላር ምንባሩ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2022 ግና ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዝገበረ ኣመልኪቱ።

መብዛሕቱ እቲ ኤርትር ናብ ወጻኢ እትልእኮ ጥረ ነገራት፣ ከም ዚንጎ፣ ነሓስ፣ ወርቂ፣ እምነ በረድን ዝኣመሰለ ማዕድናት ዘተቓለለ’ዩ።

ኣብ 2021 ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ፣ ዚንጎ ብብዝሒ ናብ ወጻኢ ካብ ዝተላእከ ማዕድናት ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ ኮይኑ፣ 248 ሚልዮን ዶላር ይግመት። ካልኣይ ነሓሰ 194 ሚልዮን ዶላር ሳልሳይ ድማ ወርቂ 167 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ንግዲ ይጠቕስ።

ካብ ኤርትራ ንዝልኣኽ ማዕድና ብብዝሒ ብምሽማት ቻይና ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዓመት ጥራይ ናይ 325 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጥረ ነገራት ኣግዒዛ።

ካልኦት ካብ ኤርትራ ንዝልኣኽ ጥረ ነገራት ኣብ ምሽማት ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ሃገራት፣- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ደቡብ ኮርያን ኢጣልያን ተጠቒሰን ይርከባ።

ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ዝበዝሐ ናብ ወጻኢ ሃገራት ሰደድ ዝልኣኸትሉ ዓመት ኣብ 2019 ዓመተ ምህረት ኮይኑ፣ ኣስታት 768 ሚልዮን ዶላር ‘ዩ ተገሚትቱ።

ካብቲ እዋን’ቲ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣንቒልቒሉ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ተመሓይሹ ኣብ 2022 ናብ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ክድይብ ክኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፣ ኤርትራ ብኣንጻር እቲ ኣብ 2021 ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልኣኸቶ ማዕድናት ዝዓብለሎ ጥረ ነገራት፣ ኣስታት 329 ሚልዮን ዝግመት ከም ስርናይ፣ ፊኖ፣ ማሸላን ዘይቲ ብልዒን ዝኣመሰለ ኣእካል ዝበዝሖ መግብታትን ናይ ህንጻ መሳርሒታትን ‘ያ ሸሚታ።

ኤርትራ፣ ኣብ 2021 ብብዝሒ ካብ ዝሸመተትለን ሃገራት፣- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብ105 ሚልዮን ዶላር ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ፣ ቻይና ብ70 ሚልዮን ዶላር፣ ቱርኪ ብ23 ሚልዮን ዶላር፣ ኣመሪካ ብ18 ሚልዮን ዶላር፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብ15 ሚልዮን ዶላር ብቅደም ተኸተል ተዘርዚረን ኣለዋ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0