ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ኣብ ትግራይ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ምፍጻሞም ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ

Radio Erena:21 March 2023

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ጃምላዊ ቅትለትን ዓመጽ ደቂንስትዮን ዝርክብዎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ ነዚ ዝገለጸ፣ ብሰኑይ 20 መጋቢት ኣብ ዘቕርቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት’ዩ።

ኣብቲ ጸብጻብ፣ ብተወሳኺ፣ ኩሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኢትይጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝተሳተፉ ሓይልታት፣ ገበናት ኵናት ከምዝፈጸሙ ጠቒሱ።

ብፍላይ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ኣብ ብሄር ዘተኮረ መጥቃዕቲ ብምክያድ፣ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዓድታቱን መሬቱን ብግዴታ ከምዘፈናቐልዎም ወቒሱ።

ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ብምዝኽኻር፣ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ውሑስ ክኸውን፣ ኩሎም ወገናት ንዝተፈጸመ ገበናት ብምእምናንን ሓላፍነት ብምውሳድን፣ ዝሕተቱ ና ኣካላት ናብ ሕጊ ብምቕራብ፣ ናብ ዕርቂ ከምርሑ ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0