ሩስያ፣ 200 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ናብ ኤርትራ ትርከበን 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ተባጺሑ

RADIO ERENA:- Friday, 23 February 2024

ሩስያ ኣብ ወርሒ ሓምለ2023 ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት ፣ 200 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ነጻ እኽሊ ነተን ሃገራት ከምዘባጽሓቶ ገሊጻ።

እቲ ብሚኒስተር ሕርሻ ሩስያ ዲሚትሪ ፓትሩሸቭ ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ሶማልያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ነፍሲ ወከፈን50 ሽሕ ቶን፣ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ዚምባብዌን ኤርትራን ድማ ነፍሲ ወከፈን 25 ሽሕ ቶን ዘጠቓለለ እዩ።

ሩስያ፣ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ነዘን ሃገራት ናይ እኽሊ ሓገዝ ክትገብር ብዝኣተወቶ መብጽዓ’ያ ናይ መበጻጽሒኡ ወጻኢታቱ’ውን ባዕላ ሸፊና ኣበጻጺሓቶ።

ዲሚትሪ ፓትሩሸቭ፣ ሩስያ ኣብቲ ካብ 1 ሓምለ 2023 ዝጀመረን ብ30 ሰነ 2024 ዝዛዘምን ዓመት ሕርሻ 2023-2024 ክሳብ 70 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን እኽሊ ናብ ወጻኢ ክትሰድድ ትጽቢት ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ለካቲት 24 2022 ምስ ጀመረ፣ ወተሃደራዊ መራኽብ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንዝርከባ ወደባት ዩክሬን ዓጽየን’ኦ።

ከም ውጽኢቱ ድማ በዘን ወደባት ዝግበር ዝነበረ ንግዲ ብፍላይ ድማ እኽልን ድኹዕን ደው ኢሉ።

ኣብ መንጎ ሓምለ 2022ን ክሳብ ሓምለ 2023ን ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ሩስያን ዩክረይንን፣ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ውሑስ መተሓላለፊ መስመር (ተበግሶ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ)ዝተሰምየ ውዕል ብምፍርራም ሰደድ ንኽፍቀድ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ጸኒሓ ግን ሩስያ ኣብ 17 ሓምለ 2023 ካብቲ ስምምዕ ከም ዘንሰሓበት ድሕሪ ምግላጻ፣ እቲ ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ብወግዒ ፈሪሱ።

ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ምስሓብ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ብሓፈሻ ንምሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ “ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ጽጉማት ሰባትን ተጸበይቲ ረዲኤትን ዓቢ ጽፍዒት’ዩ ክብል ገሊጽዎ”።

ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ድሕሪ ምውጻእ፣ ካብ 27-28 ሓምለ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ን6 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ እኽሊ ረድኤት ንምሃብ ዝኣተወቶ መብጽዓ፣ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋኣ ኣብቲ ኣህጉር ንምድራዕ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0