ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መሸጣ ኣእዱግ ንማሕረዲ ኣጊዱ

RADIO ERENA:- Thursday, 22 February 2024

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ተጋብኡ ዝቐነየ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መሸጣ ኣእዱግ ንማሕረዲ ክእገድ ንዝቐረበ እማመ ብምጽዳቕ ተዛዚሙ።

እቲ ሕብረት፣ ብ18 ለካቲት ዘጽደቖ ውሳኔ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣእድጉ ካብ ማሕረዲ ውሕስነቶም ክሕሎ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገብር፣ መዕቖቢ ኣእዱግ ዝተምሰምየ ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሞጕሱ።

ብመሰረት እቲ ንመሰል ኣእጉድ ዝጣበቕ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 33 ሚልዮን ኣእዱግ ኣለዉ።

ዓመታዊ ድማ 5.9 ሚልዮን ኣእዱግ ንማሕረዲ ይሽየጡ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት፣ ስጋ ኣእዱግ ንመግቢ ክሽየጥ እንከሎ፣ ቆርበቶም’ውን ንዝተፈላየ ነገራት ከምዘገልግል’ዩ ዝግለጽ።

ጸባ ኣድጊ’ውን ንመስርሒ ሳሙናን ካልእ ነጋርትን ዝጥቐማሉ ሃገራት ብዙሓት’የን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    HABTE 2 months ago

    Just wait, the Chinese merchants will bribe these inept leaders and the butchery of the poor donkeys will continue.