ሶማልያ ጸጥታ ባሕራ ንምውሓስ ምስ ቱርኪ ውዕል ፈሪማ

RADIO ERENA:- Friday, 23 February 2024

ሶማልያ ትማሊ ረቡዕ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ንምውሓስ ዝዓለመ ስምምዕ ምስ ቱርኪ ከም ዝተፈራረመት ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል ሃምዛ ዓብዲ ባረ፣ “ሶማልያ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ሓቀኛ መሻርኽቲ፣ ፈታዊን ሓውን ክህልዋ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ምስ ቱርኪ ዝተገብረ ናይ ምክልኻልን ቁጠባዊን ስምምዕ፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ድሕሪ ምጽዳቑ፣ ”ታሪኻዊ መዓልቲ” ክብል ገሊጽዎ።

ብመሰረት እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተገልጸ ስምምዕ፣ ቱርኪ ንሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ስልጠናን መሳርሒታትን ክትህብ እያ፣ ከም ተወሳኺ ድማ ነቲ ማያዊ ግዝኣት ሶማል ካብ ከም ግብረሽበራ፣ ቅርሰና ባሕሪ ከምኡ ውን ”ምትእትታው ወጻእተኛታት” ዝኣመሰሉ ስግኣታት ክትከላኸለሉ እያ።

እቲ ንመጀመርያ ግዜ ብ8 ለካቲት ብሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ሰብ መዚ ሶማልያ ገሊጾም።

“በዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት ቱርኪ ንሶማልያ ጸጥታውን ልምዓታውን ደገፍ ክትህብ እንከላ፣ ኣምሳያ ናይዚ ድማ ጽልዋኣ ኣብ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ዝሕግዝ’ዩ” ይብል መሓመድ ዝተባህለ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ራድ ፒስ ዝመርሕ ተንታኒ ፖለቲካ።

ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፣ ሶማሊላንድ ግዝኣት ሶማልያ ከምዝኾነት ብዓለምለኻለዊ ሕጊ ፍሉጥ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ልኡላውነት ሃገሩ ይጥሕስ ከምዘሎ ገሊጹ ኔሩ።

ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ብዘይካ’ዚ፣ትማሊ ቀዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ”ባይታ የጣጥሑ’ለዉ” ክብል ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ነዚ ብፕረዚደንት ሶማል ዝተዋህበ መግለጺ ምንም ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ብሓደ ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ ዓብዲን፣ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ውዕል ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ውዕል ምኽታሙ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ፣ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ምዃና ብምምልካት፣ ኢትዮጵያ ወደብ ንኸይትሰርሕ ምስታ ሃገር ክሳብ ናብ ኩናት ክኣቱ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብጉዳይ ሶማል ኣመልኪቱ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ዘስዓቦ ስክፍታታት ብምንጻግ፣ ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤታ ሰላም ጥራይ ከምትደሊ ብምግላጽ ነቲ ምስ ሶማልያ ኲናት ከይጅመር ዘሎ ስግኣታት ብፍጹም ከምዘይከውን ምግላጹ ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0