ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክግበር፤ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ

Radio Erena: 12 February 2023

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክግበር፤ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ብሓሙስ 9 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ’ቶም ኣብ ኣሃዱታቶም ዘይተረኽቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወስዶ ዘሎ ሕሱም መቕጻዕቲ፤ ንሓያሎ ስድራቤታት መጽለሊ ኣልቦ ገይሩወን ምህላዉ ገሊጹ።

ምኽትል ዳይረክተር ጨንፈር ኣፍሪቃ ናይቲ ትካል ለቲሲያ ባድር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ‘ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ከይተረፉ ክኣስር እንከሎ፤ ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ስድራቤታት መንበሪ ገዝኦም ስለዝዓሸጎ፤ ኣብ ጎልጎል ክድርበዩ ኣገዲዱ’ ክትብል ገሊጻ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ካብ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ኣዘራሪቡ ከምዝረኸቦ ዝገልጽ ሓበሬታ፤ ‘ደቅኹም ኣየረከብኩምን፤ ከምኡ’ውን ሓበሬታ ኣይሃብኩምን’ ዝበሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

እቲ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰብ ብናይ ሳተላይት ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፤ ዝበዝሑ ካብቶም ናብ ኣሃዱኦም ዘይተረኽቡ ኣባላት ኣገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ተታሒዞም ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ።

‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንቡር እኳ እንተኾነ፤ እዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፤ ብጅምላ ምሉእ ስድራቤት ምቕጻዕ፤ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ምዃኑ፤ ንወ ሰብ ዘይምጥን ኣተሓሕዛ እሱራት ዝኣመሰሉ ገበናት ይፍጽመሎም ብምህላዉ፤ ዘይሕጋዊ ይገብሮ’ ክብል እዩ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝገልጽ።

ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሰበስልጣን ነዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምግሃስ መሰላት ኣድህቦ ገይሩ፤ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ፤ እቲ ትካል ጸዊዑ።

ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃን፤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሩዎ ዘለዉ ጽኑዕ ምክትታል፤ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዘድልዮ ህዩማን ራይትስ ዎች ይጽውዕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0