ሩስያን ኬንያን ዝምድኣን ከዕብያ ከምዝደልያ ሓቢረን

Radio Erena: 05 June 2023

ሩስያን ኬንያን ኣብ ንግዲን ካልእ ጽላታታን ዘተኮረ ዝተፈላለየ ስምምዓት ከካይዳ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ዝተገልጸ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ፣ ኣብ ኬንያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ሚኒስተር ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብ ኬንያ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ዘካየደሉ ምኽንያት፣ ኣሰር ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሰዓበን፣ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ኣብ ጉዳይ ኵናት ዩክሬይን ዘለወን መርገጺ ንምልዋጥ ዝዓለመን ምዃኖም’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ኬንያ፣ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝነበረትሉ፣ ሓንቲ ካብተን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝኸፈተቶ ኵናት ዝተቓወማን፣ ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ንምኹናን ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝደገፋን ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

እንተኾነ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክወሃበን እቲ ኣህጉራዊ ትካል ምትዕርራይ ክግበረሉን ዝጠልብ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ዲፕሎማስያዊ ደገፍት ናይታ፣ ናይ ቀውፊ መሰል ዘለዋ ሩስያ ከምዘድልዮ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ኣብ ኵናት ዩክሬይን ተጸሚዳ እትርከብ ሩስያ ብወገና፣ ሃገራት ምዕራብ፣ ጽኑዕ እገዳታት፣ ጸቕጢን ተነጽሎን ኣብ ዝገብራላ ዘለዋ እዋን፣ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ተናዲ ከምዘላ ይፍለጥ።

ልዕሊ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝኸፈተቶ ኵናት ክኹንና እንከለዋ፣ ልዕሊ 12 ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጠበን።

ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ሒደት ሃገራት፣ ኣብ እዋን’ቲ ድምጺ ምሃብ፣ ወኪላተን ክቦኽሩ እንከለዉ፣ ኤርትራ ግና ሓንቲ ካብተን ብዓውታ ንሩስያ ዝደገፋ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

ምስ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ንግዲ፣ ፖለቲካን ወትሃደራዊ መደይን ክትተሓጋገዝ ምዃና እትገልጽ ሩስያ፣ ካብ ካብ 26 ክሳብ 29 ሓምለ፣ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ፣ ዋዕላ ምስ መራሕቲ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ንምክያድ ወጢና ኣላ።

ንሃገራት ምዕራብ ብምሽማው፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋታት ንምዕባይ እትሰርሕ ዘላ ሩስያ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኻ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ተደጋጋሚ ዑደታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0